
ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (09 ሕዳር 2026)
ኣርእስታት ዜና፥ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ሰንዓ የመን ኣብ እትርከብ ቁሸት ባኒ ሑሻይሽ መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምክያዳ ብውሕዱ 32 ሰባት ተቐቲሎም። ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ ሓድሽ መንግስቲ ንከቕውም ንሓላፊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነበር ጋድ ኣይዘንኮት መሪጹ። ኣውስትራልያ ንፊጂ 30 ብ 14 ብምስዓር ንሓሙሻይ ግዜኣ ተኸታታሊ ናብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ራግቢ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ሓሊፋ። #sbsaudiopodcast
Audio and video play straight from the show's own hosting. PodSubs stores and serves no media.

