
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፈነወ ኤስቢኤስ ትግርኛ (19 ሕዳር 2026)
ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (19 ሕዳር 2026) * ልዑል ትጽቢት ዝተገብረሉ ስሉሳዊ ርክብ ሺ ጂንፒንግ፡ ዶናልድ ትራምፕን ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ’ቲ ኣብ ሸንዘን ዝካየድ ዋዕላ ኤፔክ ይካየድ፡ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዚ ኣብ መኽፈቲ ዋዕላ ኤፔክ ሩስያዊ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝነበሮ ናይ ሓባር ስእሊ ተረኪቡ። * መዝገበ ቃላት ካምብሪጅ፡ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዓመታዊ ቃል 2026 ክከውን ዝመረጾ ‘Human’ ዝብል ቃል ምዃኑ ኣፍሊጡ ጸብጻባት ልኡኽና፥ * ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዶባት 'ተፋጢጦም' ከም ዘለዉ ንዘመልክት ሓበሬታ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ነጺጉዎ፡ * ኣብ ከባቢ ባድመ ኣብ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ብውሑዱ 4 ሰባት ከም ዝተጎድኡ ተገሊፁ፡ * ኣምባሳደር ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ምኽባር ሰላም: ምስፋሕ ዴሞክራስን ዳግመ ህንፀትን ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ፡ * ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ሰዓታት እቶ-እቶን ጽኑዕ ቀይዲ ምንቅስቓስን ተነቢሩ፡ * ኤርትራ ሕማም ትራኮማ ካብ ሱሩ ናይ ምጥፋእ ዓወት ብምምዝጋብ ካብ ኣፍሪቃ መበል 11፡ ካብ ዓለም ድማ መበል 34 ሃገር ኮይና * ኣራዊታዊን ወረርቲን ዓሌታት እንስሳ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ኣውስትራልያ ዓቢይ ጉድኣት የውርዱን ህላወ ብዙሓት መበቆላዊ ዓሌታት ህይወት ዘገዳም ኣብ ሓደጋ የውድቑን’ለዉ። እዚኦም እንታይ’ዮምን ንምቁጽጻሮም እንታይ ይግበር ኣሎን ዝምህር ትሕዝቶ። * መደብ ቃለመሕትት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ዳግም ካብ ኤርትራ ንምውሳድ "ብዲፕሎማሲ ወይ ብሓይሊ" ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ብዝለዓለ ናህሪ ይገልጽ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነዚ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ዝብሎ ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ይወስድ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ጎሳጒስካ ኣብ ጎኒ ምክልኻል ሃገሩ ደው ክብል ምግባር ድማ ሓደ ካብኡ’ዩ። እንተኮነ ግን "ኩሉ ድሕሪ ሃገር" ብምባል ኣብ ጎኒ መንግስትን ሰራዊትን ደው ዝብሉን በቲ ኻልእ ድማ "ፍትሒ ምስዘጉደለ መንግስቲ ሃገር ኣይትድሕንን" ዝብሉን ክትዓት ተፈጢሮም "ህዝቢ ዶ ሃገር ይቐድም" ዝብል ዘረባታትን ዓሚሮም ኣለዉ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ሳልሕ ጋዲ ጆሃርን ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ)ን ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመርናዮ ዕላል ካልኣይ ክፋል #sbsaudiopodcast
Audio and video play straight from the show's own hosting. PodSubs stores and serves no media.

