
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (29 ጥቅምቲ 2026)
ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ስፐይን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካልኣይ ልዑል ቁጽሪ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ ባቡር ኣጋጢምዋ ኣብ ሓዘን ኣትያ፣ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣብ’ታ ሃገር ክኽበር’ዮ። * ዝተሳዕረ ብራዚላዊ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፍላቪዮ ቦልሶናሮን ስድራቤቱን ኣብ ኣሜሪካ ኣትዮም፣ * ኣማኢት ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኳንታስን ኳንታስሊንክን ናይ 24 ሰዓታት ኣድማ ኣካይዶም፣ ናይ ሎሚ ጸብጻባት ዜና * ሩስያ ምስ ኤርትራ ክዓርቃ ቅርብቲ'የ ኢላ ደጊማ ኣብ ዘረጋገጸትሉ ንኢትዮጵያ ነፈርቲ ኩናት ኣረኪባታ፣ ጸረ ኣየር ሚሳይላት'ውን ከተቐብላ'ያ፣ ግጭት ሞያሌ ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ናብ ኬንያ ክሃድሙ ገይሩ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓታዊ ምምዝባል እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ክብል ምሕዝነት ንህልውና ገሊጹ፣ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ ስርሑ ዓጽዩ፣ ምርጫ ግዝኣት ቪክቶርያ፣ ኣውስትራልያ * ግዝኣት ቪክቶርያ ብልምዲ ከም ገስጋሲት ግዝኣት’ያ ትረአ። ዋን ኔሽን ህቡብነቱ እናወሰኸ ምስ ምኻዱ ግን ሕዳር ዝካየድ ምርጫ እታ ግዝኣት ናብ የማን ትዝንብለሉ ተኽእሎ ወይ ዕድል የምጽእ ኣሎ። ስለ’ዚ ተወዳደርቲ ሰልፍታት ከመይ ጌረን’የን ንደገፍተን ከእምና ዝፍትና ዘለዋ? ኣብ ልዕሊ ፈደራል ኣባል ባይቶ ሄለን ሄይንስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ድሕነትን ሓደገኛ/መርዛማት ዝኾኑ ጎስጓሳትን ሓድሽ ክትዕ ተላዒሉ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ቃለመሕትት * ኣብ ዝሓለፉ መደባትና ምስ ኤርትራዊ ኣውስትራልያዊ ኣቶ ሃይለ ገብሩ ዝገበርናዮም ክልተ ክፋል ዕላላት ኣቕሪብና ኔርና። ንሱ ማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ተቐቢሉ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝተጋደለን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዘገልገለን’ዩ። ናብ ኣውስትራሊያ ቅድሚ ኣስታት 30 ዓመታት ክመጽእ’ንከሎ ኣብ ሱዳንን ኣዲስ ኣበባን ብማእሰርቲ ግዜ ኣሕሊፉ’ዩ። ኣብ ፖሎቲካን ንግድን እናነጠፈ ብማልቲዛዊ ፈላስፋን ጸሓፍን Edward de Bono ተጸልዩ ኣብኡ ምርኩስ ዝገበረ ናቱ መጽሓፍ ኣዳልዩን ብማሕበራዊ መራኸቢ ሓሳባቱ ክገልጽ ኣብ ምሽብሻብ ዝርከብን’ዩ። ኣብ ናይ መወዳእታ ክፋል ኣቶ ሃይለ ኣተሓሳስባ ወዲ ሰብ ዝገልጸሉ መንጽር ክቐርብ’ዩ። #sbsaudiopodcast
Audio and video play straight from the show's own hosting. PodSubs stores and serves no media.

