
ምሳሌ እቲ ዓሻ ሃብታም | The Parable of the Rich Fool 💰🌾 ምሳሌታት ኢየሱስ
ኢየሱስ ብምሳሌ እቲ ዓሻ ሃብታም፣ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብን ንብረትን ከም ዘይኰነት ኣስተማሂሩ። 🌾 ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁ ብዙሕ ፍረ ምስ ፈረየሉ፣ ንማዕከናቱ ኣፍሪሱ ዝዓበየ ክሰርሕን ኵሉ ሃብቱ ኣብኡ ክእክብን ሓሰበ። ንነፍሱ ድማ፣ “ንብዙሕ ዓመታት ዝኣኽለኪ ብዙሕ ሃብቲ ኣሎኪ፤ ዕረፊ፣ ብልዒ፣ ስተዪ፣ ተሓጐሲ” በላ። ኣምላኽ ግና፣ “ኣታ ዓሻ፣ በዛ ለይቲ እዚኣ ንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ እዮም” በሎ። እዚ ምሳሌ ንርእስና ጥራይ ሃብቲ ካብ ምእካብ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ክንከውንን ተስፋና ኣብ ምድራዊ ሃብቲ ዘይኰነስ ኣብ ኣምላኽ ክንገብርን የዘኻኽረና። 🙏🌾 📖 ሉቃስ 12፡13-21 #ምሳሌታትኢየሱስ #ዓሻሃብታም #ቃልኣምላኽ #ሉቃስ #Tigrinya #Tigrigna #Eritrea #Eritrean #Jesus #Bible #ParablesOfJesus
Audio and video play straight from the show's own hosting. PodSubs stores and serves no media.

